ኣጠቓቕማ መተግበሪ ከተማ መቐለ
ን ዓደግቲ ንብረት
1
ናይ ንብረት ዝርዝር ምርኣይ
ብመጀመርያ ደረጃ ናብ እቲ ናይ መጀመርያ ገጽ ብምኻድ እቲ ዘሎ ናይ ንብረት ዝርዝር ርአ።
2
ምርጫ ምግባር
ካብቲ ዝርዝር እቲ ዝደልይዎ ዓይነት ንብረት ብምምራጽ ብዝያዳ ሓበሬታ ንምርኣይ ኣብቲ ንብረት ምጥዋቕ።
3
ምስምዕማዕ
ብመሰረት እቲ ዝተውሃበ ቑጽሪ ስልኪ ምስ ሸዋጢ ንብረት ምስምዕማዕ።
ን ሸወጥቲ ንብረት
1
መዝገብ ቅጥዒ ምጥዋቕ
ኣብቲ ናይ መጀመርያ ገጽ ኣብ ዘሎ ሓዱሽ ዝሽወጥ ወይም ዝካረ ንብረት መዝግብ ዝብል ብምጥዋቕ እቲ ቅጥዒ መዝገብ ክመጽእ ይግባእ።
2
ዓይነት ንብረት ምምራጽ
ኣብቲ ናይ መጀመርያ ኣማራጺ ብምኻድ ንብረትኩም ዝካረ ወይ ዝሽወጥ ምዃኑ ኣረጋግጽ።
3
ዝርዝር ሓበሬታ ምሃብ
ነቲ ዘአተኩምዎ ንብረት ዝምልከት ኩሉ ዘድልየኩም ዝኾነ ሓበሬታ ኣአትዩ።
4
ፎቶ ምስኣል
እንተሃልዩ ናይቲ ንብረት ፎቶ ምስኣል (እዚ ግደታ ኣይኮነን)።
5
ምዝገብ
ኩሉ ሓበሬታ ምስ ኣአተዉ ኣብ መወዳእታ መዝግብ ዝብል ብምጥዋቕ እቲ ንብረት ኣብ ናይ ከተማ መቐለ መርበብ ይምዝገብ።